Skip to content
መንነት
ኣገልግሎት መንነት
- ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ ስእሊ (35×45) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
- ናይ ክልተ ወለዲ ኤርትራዊ ቅዳሕ ወረቐት መንነት፡
- ናይ ስድራ-ቤት መረጋገጺ ሰነድ (Family Person Bevis) ምስክርነት ዕለተ ልደት ውላድ፡
- ቅዳሕ ፓስፖርት
- ወለዲ ኣመልካቲ ኤርትራዊ ዜጋታት ኮይኖም ብሞት ወይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ወረቐት መንነት ዘይሓዙ ምስ ዝኾኑ፡ ብመሰኻኸር ይረጋገጽ፡
- ሰለስተ መሰኻኽር ዜግነቶም ብትውልዲ ኤርትራውያን፡ ዕድመኦም ልዕሊ 40 ዝኾኑ፡
- መሰኻኽር ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ሒዞም ኪቐርቡ ይግባእ፡
- መሰኻኽር ዘይረኸበ ኣብ ኤርትራ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ ወኪሉ ጉዳዩ ኪፍጸም ይኽእል፡
- ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
- ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ….ወዘተ ኣይፍቀድን፡
- ኣመልካቲ ካብ 21 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
- ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ፡
- ክፍሊት ኤርትራዊ መንነት ወረቐት፡
መንነት ንምትካእ
- ሒዝዎ ዘሎ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
- ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ ስእሊ (35×45) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
- ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
- ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ….ወዘተ ኣይፍቀድን፡
- ኣመልካቲ ካብ 21 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
- ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ፡
ሓድሽ መንነት ንምውጻእ
- ናይ ወለዲ ቅዳሕ ወረቐት መንነት
- ዓይነት ደም
- ክብደት
- ቁመት
- ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ ስእሊ (35×45 mm) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
- ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
- ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ…. ወዘተ ኣይፍቀድን፡
- ኣመልካቲ ካብ 18 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
- ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ
ንግዚያዊ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዘድሊዩ ቅጥዕታትን ክፍሊትን – (ን18 -25 ዕድመ ጥራይ ዝምልከት)
- ብግቡእ ዝተመልኣ ግዚያዊ መንነት (ንኣሳልጦን ጽፈት ስራሕን እዚ ቅጺ ብኮምፒተር ተመሊኡ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክመጽእ ይጥለብ)
- ዕድመ ኣመልካቲ/ት ካብ 18 ክሳብ 25
- ቅዳሕ ፓስፖርት ናይ ኣመልካቲ/ት
- ኣርባዕተ ሕብራዊ (4) ናይ ቀረባ ስእሊ (30×30 mm) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
- ናይ ክልተ ወለዲ ኤርትራዊ ቅዳሕ ወረቐት መንነት፡
ወረቐት መንነት ንትሕቲ ዕድመ ንምውሳድ ክማላእ ዘለዎ ሰነዳት
- ናይ ክልተ ወለዲ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ቅዳሕ፡ ከምኡ’ውን ናይ ስድራቤት Family Person Bevis ወይ ምስክርነት ልደት ቆልዓ
- ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ እዋን ስእሊ (3×3)፡ ክልቲኡ ኣእዛን ኪርአ ኣለዎ
- ብጽፈት ዝተመልአ ፎርም መሕትት ወረቐት መንነት ንትሕቲ ዕድመ
- ቅዳሕ ናይ ትቕመጦ ሃገር ፓስፖርት
- ህጹጽ ኣገልግሎት ዝበሃል፡ ሰነዳትን ገንዘብን ካብ ዝበጽሓሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ (7) ናይ ስራሕ መዓልታት ዝወሃብ ኢዩ
- ክፍሊት ዝምልከት ንንቡር ኣገልግሎት፡ 50.- ፡ ንህጹጽ ኣገልግሎት 70.-
- ንቡር ኣገልግሎት ዝበሃል፡ ሰነዳትን ገንዘብን ካብ ዝበጽሓሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ 14 ናይ ሰራሕ መዓልታት ዝወሃብ ኢዩ
- ብ Post Office ዝለኣኽ ሰነድ ዝወስዶ መዓልታት ኣብ ቁጽሪ 5 – 6 ንዝተጠቕሰ ዝጽብጽብ ኣይኮነን
- መተሓሳሰቢ
ሓደ ካብ’ዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ምስ ዝጎድል ከስዕቦ ዝኽእል ምድንጓይ ኤምባሲ ተሓታቲ ኣይኮነን።