መንነት

መንነት ንምምልካት ዘድሊ ቅጥዕታትን 

ኣገልግሎት መንነት

  • ዓሰርተ (10) ናይ ቀረባ ስእሊ (35×45) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
  • ናይ ክልተ ወለዲ ኤርትራዊ ቅዳሕ ወረቐት መንነት፡
  • ናይ ስድራ-ቤት መረጋገጺ ሰነድ (Family Person Bevis) ምስክርነት ዕለተ ልደት ውላድ፡
  • ቅዳሕ ፓስፖርት
  • ዓይነት ደም
  • ወለዲ ኣመልካቲ ኤርትራዊ ዜጋታት ኮይኖም ብሞት ወይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ወረቐት መንነት ዘይሓዙ ምስ ዝኾኑ፡ ብመሰኻኸር ይረጋገጽ፡
    1. ሰለስተ መሰኻኽር ዜግነቶም ብትውልዲ ኤርትራውያን፡ ዕድመኦም ልዕሊ 40 ዝኾኑ፡
    2. መሰኻኽር ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ሒዞም ኪቐርቡ ይግባእ፡
    3. መሰኻኽር ዘይረኸበ ኣብ ኤርትራ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ ወኪሉ ጉዳዩ ኪፍጸም ይኽእል፡
  • ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
  • ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ….ወዘተ ኣይፍቀድን፡
  • ኣመልካቲ ካብ 21 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
  • ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ፡
  • ክፍሊት ኤርትራዊ መንነት ወረቐት፡

መንነት ንምትካእ

  • ሒዝዎ ዘሎ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
  • ዓሰርተ (10) ናይ ቀረባ ስእሊ (35×45) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
  • ዓይነት ደም
  • ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
  • ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ….ወዘተ ኣይፍቀድን፡
  • ኣመልካቲ ካብ 21 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
  • ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ፡

ሓድሽ መንነት ንምውጻእ

  • ናይ ወለዲ ቅዳሕ ወረቐት መንነት
  • ዓይነት ደም
  • ክብደት 
  • ቁመት
  • ዓሰርተ (10) ናይ ቀረባ ስእሊ (35×45 mm) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
  • ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
  • ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ…. ወዘተ ኣይፍቀድን፡
  • ኣመልካቲ ካብ 18 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
  • ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ

ንግዚያዊ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዘድሊዩ ቅጥዕታትን ክፍሊትን – (ን18 -25 ዕድመ ጥራይ ዝምልከት)

  • ብግቡእ ዝተመልኣ ግዚያዊ መንነት (ንኣሳልጦን ጽፈት ስራሕን እዚ ቅጺ ብኮምፒተር ተመሊኡ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክመጽእ ይጥለብ)
  • ዕድመ ኣመልካቲ/ት ካብ 18 ክሳብ 25
  • ቅዳሕ ፓስፖርት ናይ ኣመልካቲ/ት
  • ኣርባዕተ ሕብራዊ (4) ናይ ቀረባ ስእሊ (30×30 mm) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
  • ናይ ክልተ ወለዲ ኤርትራዊ ቅዳሕ ወረቐት መንነት፡

ወረቐት መንነት ንትሕቲ ዕድመ ንምውሳድ ማላእ ዘለዎ ሰነዳት 

  • ናይ ክልተ ወለዲ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ቅዳሕ፡ ከምኡ’ውን ናይ ስድራቤት Family Person Bevis ወይ ምስክርነት ልደት ቆልዓ
  • ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ እዋን ስእሊ (3×3)፡ ክልቲኡ ኣእዛን ኪርአ ኣለዎ
  • ብጽፈት ዝተመልአ ፎርም መሕትት ወረቐት መንነት ንትሕቲ ዕድመ
  • ቅዳሕ ናይ ትቕመጦ ሃገር ፓስፖርት
  • ህጹጽ ኣገልግሎት ዝበሃል፡ ሰነዳትን ገንዘብን ካብ ዝበጽሓሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ (7) ናይ ስራሕ መዓልታት ዝወሃብ ኢዩ
  • ክፍሊት ዝምልከት ንንቡር ኣገልግሎት፡  50.- ፡ ንህጹጽ ኣገልግሎት  70.- 
  • ንቡር ኣገልግሎት ዝበሃል፡ ሰነዳትን ገንዘብን ካብ ዝበጽሓሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ 14 ናይ ሰራሕ መዓልታት ዝወሃብ ኢዩ
  • ብ Post Office ዝለኣኽ ሰነድ ዝወስዶ መዓልታት ኣብ ቁጽሪ 5 – 6 ንዝተጠቕሰ ዝጽብጽብ ኣይኮነን
  • መተሓሳሰቢ
     ሓደ ካብ’ዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ምስ ዝጎድል ከስዕቦ ዝኽእል ምድንጓይ ኤምባሲ ተሓታቲ ኣይኮነን።