ፓስፖርት

ፓስፖርት ንምውጻእ ዘድሊ ቅጥዕታት

  • ፓስፖርት ንምሕታት ናብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ቆንስላዊ ጉዳያት ብኣካል ብቖጸራ ይመጽእ።
  • ኣብ ፓስፖርት ኪዉሰኹ ዝሕተተሎም ተሰነይቲ ትሕቲ 10 ዕድመ’ውን ብኣካል ይቐርቡ። ኣብ ሓደ ፓስፖርት ካብ 3 ተሰነይቲ ንላዕሊ ምውሳኽ ኣይፍቀድን።
  • ወለዶም ዜግነታዊ ወረቐት መንነት ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ፓስፖርት ኣይፍቀዶምን።
  • ፓስፖርት ዘውጽእ ብቆጸራ ይመጽእ፡ ዝኸፈሎ ገንዘብ ኣብ ሕሳብና ምስ ኣተወ ጥራይ ፎርም ይመልእ።

ዝጥለቡ ሰነዳት

  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት original ከምኡ’ውን ቅዳሕ፡
  • ቅዳሕ ፓስፖርት ፡ ወይ ዜጋ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት የቕርብ፡
  • ስእሊ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ስቱዲዮ ዝተሳእለ ኣርባዕተ (35 x 45 mm) ዓቐን ዘለዎ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ናብ ካሜራ ዝጠመተን ምሉእ ገጽን እዝንኻ ዘርኢ፡ ምስሓቕ ኣይፍቀድን እዩ፡
  • ኣብ ፓስፖርት ዝውሰኹ ትሕተ-ዕድመ ንነብስ-ወከፎም ኣርባዕተ (35 x 45 mm) ናይ ፓስፖርት ዓቐን ዘለዎ ስእልን የድሊ፡
  • ክፍሊት ፓስፖርት ሰለስተ መዓልቲ ቅድሚ ቖጸራ ይኽፈል። ዝኸፈለሉ ቅብሊት ኣብ ቖጸራ የቕርብ፡
  • ግቡኣት መሕወይ ግብሪን ካልእን ኪማላእ ኣለዎ፡
  • ፓስፖርት ዘጥፍኣ መረጋገጺ ሰነድ ካብ ፖሊስ የቕርብ፡ ከምዘጥፍአ ኣብ ኤምባሲ ይምዝገብ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት መተካእታ ፓስፖርት ይሓትት፡
  • ስም፡ ዕለት ልደት፡ ቦታ ልደትን ፊደላትን ምቕያር ፍቑድ ኣይኮነን፡
 መተሓሳሰቢ
 ሓደ ካብ’ዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ምስ ዝጎድል ከስዕቦ ዝኽእል ምድንጓይ ኤምባሲ ተሓታቲ ኣይኮነን።