ፓስፖርት ንምውጻእ ዘድሊ ቅጥዕታት
- ፓስፖርት ንምሕታት ናብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ቆንስላዊ ጉዳያት ብኣካል ብቖጸራ ይመጽእ።
- ኣብ ፓስፖርት ኪዉሰኹ ዝሕተተሎም ተሰነይቲ ትሕቲ 10 ዕድመ’ውን ብኣካል ይቐርቡ። ኣብ ሓደ ፓስፖርት ካብ 3 ተሰነይቲ ንላዕሊ ምውሳኽ ኣይፍቀድን።
- ወለዶም ዜግነታዊ ወረቐት መንነት ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ፓስፖርት ኣይፍቀዶምን።
- ፓስፖርት ዘውጽእ ብቆጸራ ይመጽእ፡ ዝኸፈሎ ገንዘብ ኣብ ሕሳብና ምስ ኣተወ ጥራይ ፎርም ይመልእ።
ዝጥለቡ ሰነዳት
- ኤርትራዊ ወረቐት መንነት original ከምኡ’ውን ቅዳሕ፡
- ቅዳሕ ፓስፖርት ፡ ወይ ዜጋ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት የቕርብ፡
- ስእሊ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ስቱዲዮ ዝተሳእለ ኣርባዕተ (35 x 45 mm) ዓቐን ዘለዎ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ናብ ካሜራ ዝጠመተን ምሉእ ገጽን እዝንኻ ዘርኢ፡ ምስሓቕ ኣይፍቀድን እዩ፡
- ኣብ ፓስፖርት ዝውሰኹ ትሕተ-ዕድመ ንነብስ-ወከፎም ኣርባዕተ (35 x 45 mm) ናይ ፓስፖርት ዓቐን ዘለዎ ስእልን የድሊ፡
- ክፍሊት ፓስፖርት ሰለስተ መዓልቲ ቅድሚ ቖጸራ ይኽፈል። ዝኸፈለሉ ቅብሊት ኣብ ቖጸራ የቕርብ፡
- ግቡኣት መሕወይ ግብሪን ካልእን ኪማላእ ኣለዎ፡
- ፓስፖርት ዘጥፍኣ መረጋገጺ ሰነድ ካብ ፖሊስ የቕርብ፡ ከምዘጥፍአ ኣብ ኤምባሲ ይምዝገብ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት መተካእታ ፓስፖርት ይሓትት፡
- ስም፡ ዕለት ልደት፡ ቦታ ልደትን ፊደላትን ምቕያር ፍቑድ ኣይኮነን፡
መተሓሳሰቢ ሓደ ካብ’ዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ምስ ዝጎድል ከስዕቦ ዝኽእል ምድንጓይ ኤምባሲ ተሓታቲ ኣይኮነን።
Recent Comments