ዝኽሪ 20 ሰነ 2024 ስዊዘርላንድ
ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ – ከተማታት ጀነቭ፡ በርን፡ ባዝል፡ ሰንጋለን፡ ሰሎተርን፡ ሉዘርን፡ ጁራን ኩርን ካብ ዕለት 19 – 23 ሰነ ብደረጃ ካንቶናትን ማሕበረ-ኮማትን ተጠርኒፎም ሰማእታቶም ብክብ ዝበለ ማዕርግን ሓበንን ዘኪሮም። ኣብ`ቲ ዝተኻየደ መደባት ዝኽሪ ሓበን፡ ከም ሓባራዊ ምውላዕ ሽምዓ፡ እግሪ ጉዕዞ፡ ግጥምታትን መደረታትን፡ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቑ ደርፍታትን መዛሙር ህጻናትን ዝኣመሰሉ መሰናድኦታት ቀሪቦም።
ኣብ`ቲ ብ23 ሰነ ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝተገብረ ዝኽሪ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይን ሓላፊ ህ/ኮ/ጉዳያት ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስን ተረኺቦም ንክብሪ እቶም ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ብጅግንነት ዝሓለፉ ሰማእታት ኤርትራ ሕቋፍ ዕምባባ ድሕሪ ምንባሮም፡ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ነቲ ዕለት ኣመልኪቱ ከም`ዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ link ዝኽሪ 20 ሰነ 2024።
ተሳተፍቲ በብከባቢኡ ዝተገብረ ዝኽሪ ብወገኖም ውህደቶም ብምሕያልን ውዳበኦምን ብምስፋሕን ሒዘሞ ዝጸንሑ ጾር ስድራ ሰማእቲ ናይ ምሽካምን ልምዓታዊ መደባት ሃገር ንቕድሚት ናይ ምስጓምን ሓላፍነት፡ ብኣጋጣሚ ናይ`ዚ ረዚንን ዕዙዝን ዕለት መብጽዐኦም ብምሕዳስ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ዝውዕል፦
- ጀነቭ – 3,200.00 ፍራንክ
- በርን – 2,200.00 ፍራንክ
- ባዝል – 9,310.00 ፍራንክ
- ሰንጋለን – 3,760.00 ፍራንክ
- ሎዛን – 16,000.00 ፍራንክ
- ሉዘርን – 6,200.00 ፍራንክ
ኣብ ርእሲ`ዚ
- ኣብ በርን ዝርከቡ 25 ኤርትራውያን ስድራቤታት ን21 ስድራ ሰማእታት ንምጥዋር ዝውዕል 15,120.00 ፍራንክ፡
- ኣብ ባዝል ዝርከቡ 12 ኤርትራውያን ስድራ ቤታት ድማ ነፍስ-ወከፎም ሓሓደ ስድራ ሰማእታት ንምጥዋር 8,640 ፍራንክ፣
ብጠቕላላ 64,430 ስዊዝ ፍራንክ ኣበርኪቶም።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!
ዓወት ንሓፋሽ!!