ኣገልግሎት

ሓድሽ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዘድልዮ

  • ቅጺ መሕተቲ መንነት /ID Form ንምምላእ ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቕራብ
  • ምሉእ ስም ሓታታይ ክሳብ 3ይ ወለዶ
  • ዕለትን ቦታን ልደት
  • ዓይነት ደም
  • መበቆል(ኦርጂናል) ክብሪ መዝገብ ብቆንስላዊ ጉዳያት ዝተረጋገጸ / Birth certificate Authenticated ዝኾነ ምቕራብ
  • ምሉእ ስም ኣደ ክሳብ 3ይ ወለዶ
  • ክልተ ቅዳሕ ወረቐት መንነት ናይ ኣቦን ኣደን ምቕራብ
  • ናይ ኣቦን ኣደን ቅዳሕ ወረቐት መንነት ምስ ዘይህልዉ ቅጺ ምስክርነት ዜግነት ንነበርቲ ወጻኢ ብውክልና ይምላእ። (ስም ወኪል ቁጽሪ ቴለፎን ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቀረባ ዘመድ ብኣደ ወይ ብኣቦ)
  • መቦቆል ዓዲ ናይ ኣቦን ኣደን
  • ርባዕተ ስእሊ 35×45 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ ኣብ ስትድዮ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ህልው ፓስፖርት ምስ ክልተ ቅዳሕን
  • ምሉእ ኣድራሻ ትነብረሉ ቦታ

መተካእታ ወረቐት መንነት ዝሓቱ ዘድልዮ

  • ቅጺ መሕተቲ መንነት /ID Form ንምምላእ ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቕራብ
  • ኣብ ኢድ ዘሎ ወረቐት መንነት ኦርጂናል ምስ ክልተ ቅዳሕ
  • ኣርባዕተ ስእሊ 35×45 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ኣብ ኢድ ዘሎ ፓስፖርትን ምስ ክልተ ቅዳሕን
  • ምሉእ ኣድራሻ ትነብረሉ ቦታ

መኣረምታ ኣብ ወረቀት መንነት ዘድልዩ

መኣረምታ ወረቐት መንነት (ስም፡ ዕለት ልደት፡ ወይ ቦታ ልደት) ዝምልከት ብቤት ፍርዲ ምስ ተወሰነን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን ጥራይ ኢዩ ዝፍጸም

ዝጠፈእ ወረቐት መንነት/ Lost ID Card

  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቕራብ ቅጺ መሕተቲ መንነት /ID Form ክምላእ ይግባእ። እዚ ከይተመለአ ምትካእ መስርሕ ኣይጀመርን ኢዩ
  • ቅዳሕ ወረቀት መንነት ምስ ዝህልዉ ይቐረብ
  • መንነት ወረቀት ዝጠፍአ ከም ዝጠፍኣ ናይ ፖሊስ ወረቀት ምቕራብ
    • ተዋሂቡ ዝጸነሐ ወረቐት መንነት ኣበይን መዓስን ተዋሂቡ
    • ቁጽሪ መንነት ኣብ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ መስርሕ ምትካእ ይጅመር
    • ምሉእ ስም ኣደ፡ መበቆል ዓዲ ናይ ኣቦን ኣደን

ወረቀት መንነት ንትሕቲ ዕድመ ክማላእ ዘለዎ ሰነዳት/ Eritrean ID for Underage

  • ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ንምምላእ ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ምቕራብ
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ኦርጂናልን ምስ ክልተ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእን ምኽንያት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክልተ (2) ስእሊ 35×45 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ ኣብ ስትድዮ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ህልው ኦርጂናል ፓስፖርት ምስ ቕዳሕ

ቆጸራ ንምሓዝ ኣብዚ ጠውቁ

ሓዳሽ ፓስፖርት ንዝሓትት / New Passport

  • ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ንምምላእ ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ምቕራብ
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ኦርጂናልን ምስ ክልተ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእን ምኽንያት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክልተ (2) ስእሊ 35×45 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ ኣብ ስትድዮ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት Switzerland
  • ህልው ኦርጂናል ፓስፖርት ምስ ቕዳሕ
  • ዝተማልአ ግቡኣት መሕወይ ግብሪ/ Clearances

መዓልቱ ዝኣኸለ (ዝወደቐ) ፓስፖርት መተካእታ/ Expired Passport

  • ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ንምምላእ ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ምቕራብ
  • ተዋሂቡ ዝጸነሐ ፓስፖርትን ምስ ክልተ ቅዳሕን
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ክልተ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤትፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክልተ (2) ስእሊ 35×45 (ኣብ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ኦሪጂናል ፓስፖርት ናይ ካልእ ሃገር ምስ ዝህልው ምስ ክልተ ቅዳሕን
  • ፓስፖርት ኤርትራ ኣቐዲሞም ሒዞም ንዝጸንሑ ንኹሉ ዜጋ (ዕድመ ብዘየገድስ)
  • ዝተማልአ ግቡኣት መሕወይ ግብሪ/ Clearances
  • ፓስፖርት ቅድሚ ዓመት ምውዳቁ ኣብ ኤምባሲ ቀሪቡ ከመልክት ይግባእ

ዝጠፈአን ዝተባላሸወ ፓስፖርት መተካእታ ዝሓትት / Lost & Damage

  • ፓስፖርት ከምዝጠፈአ ዘረጋግጽ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ማለት ፖሊስ /ምምሕዳር መረጋገጺ ወረቀት
  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቅራብ ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ምምላእ
  • ቅዳሕ ተዋሂቡ ዝጸነሐ ፓስፖርት
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ምስ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤትፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክልተ (2) ስእሊ 35×45 (ናይ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland

ቆጸራ ንምሓዝ ኣብዚ ጠውቁ

ቪዛ

  • ፓስፖርት ብዉሑድ ልዕሊ ሽድሽተ ወርሒ ዕድመ ዘለዎ
  • ኦርጂናል ፓስፖርትን ቅዳሕን የቕርብ
  • ብዘይ ጉድለት ዝተመልአ ቅጺ መሕተቲ ቪዛ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ኤርትራዊ ዜጋ ካልእ ፓስፖርት ዝሓዘ፡ ቪዛ ክሓትት እንተኾይኑ፡ ምሉእ ስምን ኤርትራ ወረቐት መንነትን ቅዳሕን፡ ቁ.ተሌፎን ኣብ ኤርትራ ዝቕመጥ ቀረባ ተሓታቲ
  • 2 ስእሊ (ናይ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ ክኸዉን ይግባእ)

ቆጸራ ንምሓዝ ኣብዚ ጠውቁ

ሕጋዊ ሰነዳት

ፎርም B4 ንምምላእ

  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ምስ ቅዳሕ
  • ኦርጂናል መንበሪ ፍቃድ ምስ ቅዳሕ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ

ግቡኣት ምምላእ

  • ኤርትራዊ ወረቀት መንነት ምስ ቅዳሕ
  • ኦርጂናል መንበሪ ፍቃድ ምስ ቅዳሕ
  • መረጋገጺ ወረቀት
  • ዓመታዊ እቶት Declaration

ዉክልና ስልጣን

  • ብወገን ወካሊ ከቐርብ ዘለዎ ሓበሬታ፦
    • ምሉእ ስም ወካሊ
    • ቁጽሪ ወረቐት መንነት
    • ዕለትን ቦታ ልደትን
    • ህልው ኣድራሻ
  • ከም ‘ዉን ብወገን ተወካሊ፦
    • ምሉእ ስም ተወካሊ
    • ቁጽሪ ወረቐት መንነት
    • ዕለትን ቦታ ልደትን
    • ህልው ኣድራሻ
  • ትሕዝቶ ውክልና ብጽሑፍ ምቕራብ (ብኮምፑተር ክጽሓፍ ይምረጽ)
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ውክልና ስልጣን ሕጋዊ ሰነድ ብምኳኑ መሰረት ኣብ ኣጸሓሕፋ ጥንቃቀ ይሓትት። ብሕጊ ዘይቅቡል ምስ ዝኸዉን ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ወይ ዝምልከቶ ኣካል ክነጽጎ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ኽኣቱ ይግባእ። ስለዚ ሰነድ ዉክልና ብንጹር ቃላት ዝተጻሕፈን ኣድላዩ ሓበሬታታት ዝሓዘን ክኸውን ይግባእ
  • ብዛዕባ ገዛ፦ ከባቢ፡ ጎደና፡ ቁ.ገዛ፡ ቁ.ፍቓድ መዝገብ
  • ብዛዕባ መኪና፦ ዓይነት መኪና፡ ቁ. መለለይ ሰሌዳ፡ ቁ. ቻሲ
  • ብዛዕባ ገንዘብ፦ ስም ባንክ፡ ቁ. ሕሳብ ባንክ፡
  • ውክልና ስልጣን ቅቡል ንክኸውን እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቕሰ ነጥብታት ክማላእ ኣለዎ
  • ውክልና ምርግጋጽ ዕለተ-ልደትን ኩነተ መርዓን ምስ ዝኸዉን ተወካሊ ቀረባ ዘመድ (ወላዲ፡ወላዲት፡ ሓዊ፡ ሓብቲ ወይ ሕጋዊ ጠበቓ ክኸዉን ይግባእ)
  • ኣብ ዉሽጢ 6 ወርሒ ኣብ ማ/ቤ/ጽ ቆንስላዊ ኮማዊ ጉዳያት ክረጋገጽ ኣለዎ
  • ግቡእ መሕወይ ግብሪን ካልእን ምምላእ
  • ሰነድ ውክልና ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ፡ ክሊራንስ መሕወይ ግብሪ (2%) ክህልዎ ግድን ኢዩ።

ምርግጋጽ ሰነድ

  • ኣብ ኤርትራ ብመንገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስተረጋገጸ ሕጋውነት ለቢሱ ኣብ መንግስታዊ ይኹን ህዝባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ተቐባልነት ይረክብብ።
  • ብኮፒ ወይ ብፋክስ ዝመጸ ሰነድ ኣይረጋገጽን
  • ኣብ ኤርትራ ዝተመስርሐ መቦቆላዊ ሰነድ ግድን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጨንፈር ቆንስላዊ ጉዳያት ተረጋጊጹ ምስ መጸ ኣብ ኤምባሲ ቅቡል ዝኸዉን

ምርግጋጽ ህላውን ነባርነት

ህላወ ምስክርነት ወይ ነባርነት ንጥሮታ ይኹን ወይ ንብረት ንኤርትራ ንምልኣኽ ዘኽእል ሓታቲ ብህይወት ከምዘሎ ወይ ነባሪ ሃገር ስካንዲነቪያን ከም ዝኾነ ንምርግጋጽ ክቕረብ ዘለዋ ሰነዳት፦

  • ኦርጂናል መንነት ወረቐት ምስ ቅዳሕ
  • ፓስፖርትን ቅዳሕን
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ዝተማልኣ መሕወይ ግብሪ / Clearances /

ምርግጋጽ ኩነተ-መርዓ

  • ኣብ ሃገረ Switzerland ካብቲ ዝነበርሉ ምምሕዳር ከተማ ኩነታት ሓዳር ዝሕብር ዝተረጋገጸ ሰነድ ከቕርብ ይግባእ
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland
  • ዝተማልኣ መሕወይ ግብሪ / Clearances

ምርግጋጽ ካልእ ዝተፈላለዩ ሰነዳት

  • መበቆላዊ ሰነድ ናይቲ መረጋግጺ ተደልይሉ ዘሎ ጉዳይ
  • ካብ ኤርትራ ዝመጽእ ሰነድ መበቆል ሰነድ ቁኑዕ ምዃኑ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይ ኣንጋዲት ሃገር ይረጋገጽ፡ ብመሰረት ዝተረጋገጸሉ ሰነድ ተሞርኪሱ ድማ ኣብ ኤምባሲ ከምዝረጋገጽ ይግበር
  • ዝተማልኣ መሕወይ ግብሪ / Clearances
  • ምስክር ወረቀት ነባርነት Switzerland

ፎቶ ግራፍ/ስእሊ ዝምልከት

  • ዝኮነ ንኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ስቶኮሆልም፡ ኣገልግሎት ንምሕታት ዝቀርብ ፎቶ ግራፍ/ስእሊ ዝምልከት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝተሳእለ ናይ ስትዲዮ ክኽውን ኣለዎ
  • ክልተ ኣእዛን ዘርኢ፡ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ፍሽክታ/ክፉት ኣፍ ቕቡል ኣይኮነን
  • ብዘይካ ብሓኪም ዝተአዘዘ ዘዘውትሮ ናይ ዓይኒ መነጽር፡ ምስ እምነት ሃይማኖትን ዝተአሳሰር ቆቢዕን መዓመምያን እተዘይኮይኑ ካልእ ናይ ጸሓይ መነጽር ቆብዕን ባርኔጣን…ወዘተ ዘይለበሰ ክኸወን ይግባእ
  • ድሕሪ ባይታ (Background) ስእል’ውን ግድን ጻዕዳ ክኸውን ኣለዎ
  • ዓቀን ስእሊ 35×45mm ክኸውን ይግባእ
  • መጨረሻ ብድሕሪት ፎቶግራፍ ምሉእ ስም ሓታቲ ይሰፍር

ቆጸራ ንምሓዝ ኣብዚ ጠውቁ